Norges billigste bøker

Bøker av &4653

Filter
Filter
Sorter etterSorter Populære
  • av &4653, &. 4771, &4709, m.fl.
    472,-

    እዛ ብዉሩይ ሊቅ ዊልያም ሌን ክሬግ እተጻሕፈት መጽሓፍ ንክርስትያናዊ እምነትካ ብርትዕን ልክዕነትን ንምጥባቕ ብመረድኢታት፡ መብርሂታት፡ ክዝከር ዝክኣል ስጒምትታት ዝመልአት እያ። ብመሳጢ ኣገባብ ዶር. ክሬግ ኣርባዕተ መርትዖታት ንህልውና ኣምላኽ ይህብ፡ ንታሪኻውነት ውልቃዊ ዘረባታት የሱስን ትንሳኤን ይጣበቕ፡ ንሽግር ስቓይ ምላሽ ይህብ፡ ሃይማኖታዊ ተዛምዶነት ከም ዘይሰርሕ ድማ የርኢ። ንእግረ-መገዱ ድማ ንጽውዓ ኣምላኽ ብምስዓቡ ዛንታኡ የካፍል። እዚኣ ብሰፊሕ፡ ንክርስትያናዊ እምነት ብኸመይ ከም ትከላኸል ብምርኣይ ብምሉእ ምርዳእ ብዛዕባ እምነት ዝርርባት ንምምዕባል፡ ቀጥታውን ህዱእን መርትዖታት ንኽትጥቀም እተዕጥቕ መጽሓፍ እያ። እንታይ ከም ትኣምን ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ትኣምንኖ ስለምንታይ ከም ትኣምኖ፡ ንሓቂ ክትከላኸል እተዳለኻ ምዃን ድማ ንሓዋሩ ህይወት ክልውጥ ዝኽእል ሓይሊ ዘለዋ ዀይና ክትረኽቦ ኢኻ።

  • av && 4814, &4653 & &4752
    429,-

    እዛ ህይወት መሓመድ ዘርእስታ መጽሓፍ ሓጺር መግለጺ ታሪኽ ህይወት መሓመድ እያ። ንሱ እቲ ቀዳማይ መራሒ ምልእቲ ምድሪ ዓረብን መሰረት ግዝኣት ምስልምና ዘንበረ እዩ። ሲራ፡ ታሪኽ ህይወት መሓመድ ጥራይ ዘይኰነስ ዉፉይ ኣስላማይ ክነብሮ ዘለዎ ቅዱስ ምስልምናዊ ጽሑፍ ድማ እዩ። ህይወት መሓመድ መስተንክር ዛንታ እዩ። ንሱ እቲ ቀዳማይ መራሒ ኲሉ ምድሪ ዓረብ ዝኾነ ብድኽነት ዝዓበየ ዘኽታም እዩ። ንሱ ሓድሽ ሃይማኖት፡ ሓድሽ ኣገባባታት፡ ሓድሽ ቅዲ ውግእ፡ ሓድሽ ፖለቲካውን ሕጋውን ስርዓት ማለት ሽርዕያ ፈጠረ። መሓመድ ናይ ዓለምና እቲ ዝዓበየ ተዋጋኣይ እዩ ነይሩ። ሕጂ ብስም ቄሳር ወይ ናፖልዮን ወይ'ውን ካልእ ወትሃደራዊ መራሕ ዝካየድ ውግእ የልቦን። ብስም መሓመድ ዝሞቱ ሰባት ግና ነፍስ ወከፍ ዓመት ኣለዉ። ድሕሪ 1400 ዓመታት ምስልምና ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ ንላዕሊ ዝያዳ ሓያል ኣሎ። መሓመድ፡ ሓደ መዓልቲ ኲላ ዓለም ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሕጉ ክትንብርከኽ ምዃና ይነግር። ንምስልምና ክንርዳእ፡ ህይወት መሓመድ ክንፈልጥ ኣሎና። ኲሉ ኣስላማይ ልክዕ ከም ናይ መሓመድ ህይወት ክነብር ዝደሊ እዩ። ኲሉ ቓላቱን ተግባሩን ኣስላማይ ንምዃን ፍጹም መርኣያ እዩ። ኲሉ ኣስላማይ መሓመዳዊ እዩ። ሃይማኖት ምስልምና፡ ንኣላህ ምምላኽ ጥራይ ዘይኰነስ ልክዕ ከምታ መሓመድ ንኣላህ ገይሩ ዘምለኾ ጌርካ ምምላኽ እዩ። ህይወት መሓመድ፡ ማለት ሲራ ፍልይቲ መጽሓፍ እያ። ሓጺርን ንጹርን መቐረት ምስልምና እትህብ ምሉእ ብምሉእ እተተኣማምን እያ። ስርዓት መወከሲኣ ንኹሉ ተጠቒሱ ዘሎ ሓበሬታ ከተረጋጋጽ ዝሕግዝ እዩ።

Gjør som tusenvis av andre bokelskere

Abonner på vårt nyhetsbrev og få rabatter og inspirasjon til din neste leseopplevelse.